ኣዶፔይ ብትካል ደደቢት ማይክሮፋይናንስ ዝቐርብ ናይ ሞባይል ባንኪ ግልጋሎት መተግበሪ እዩ:: ቀንዲ ትኹረት ኣብ ኣገልግሎት ልቓሕ ኮይኑ ዓማዊል ብውልቂ ይኹን ብጉጅለ ብቐጥታ ካብ ሞባይሎም ልቓሕ ክሓቱን ከማሓድሩን የኽእሎም። ኣዶፔይ ብዘይካ'ቲ ዝህቦ ኣገልግሎት ልቓሕ ብተወሳኺ ካልኦት ዝተፈላለዩ ናይ ባንክ ባህርያት ይሰርሕ እዚ ውን ዘለካ ሒሳብ መጠን ምርግጋፅ፣ምትሕልላፍ ገንዘብን ሒሳባት ምኽፋል ዝኣመሰሉ ይሰርሕ። እዚ መተግበሪ ኣዶፔይ ንናይዓሚል ፋይናንሳዊ ኣገልግ ሎት ንኽረኽቡምቹእን ውሑስን ከምኡ ውን ብቀሊሉ ናይቲ ባንኪ ድሌታት ኣብ ዝኾነ ቦታ ኣብ ዝኾነ ሰዓት ንምቕራብ ድልዊ እዩ፡
ኣዶፔይ ዝተፈላለዩ ኣገልግሎታት ይህብ፤ - ኣገልግሎት ልቓሕ፡ ዝተፈላለየ ፋይናንሳዊ ድሌታት ንምምላእ ዝተፈላለየ ኣማራጺታት ልቓሕ ይህብ ። - ዝውውር፡ ኣብ መንጎ ናይ ገዛእ ርእስኻ ኣካውንት፡ ናብ ካልእ ኣካውንት፡ ከምኡ'ውን ናብ ሞባይል ቦርሳ ዝግበር ናይ ገንዘብ ምትሕልላፍ እዩ ። - ናይ ኣየር ግዜ ዕድጊት፡ ንነብስኻ ወይ ንኻልኦትናይ ኣየር ግዜ ዕድጊት ምዕዳግ ። - ክፍሊት ዩቲሊቲ፡ ክፍሊት ኤሌክትሪክ፡ ኣገልግሎት መንግስቲግልጋሎት ፡ ትኬት መንገዲ ኣየርን ካልኦትክፍሊታት እዩ።
ንምምዝጋብ፡ ካብ ፕለይ እስቶር ኣፕሊኬሽን ኣዶፔይ ኣውሪድካ፡ በቲ ዝህበካ መምርሒ መሰረት ተኸቲልካ ምምዝጋብ ፡ ቁጽሪ ተሌፎንካን መለለዪ መንነትካን ብምምላእኻ ብትክክል ኣረጋግጽ።
ኣብቲ ኣፕ ዘሎ "Forgot PIN" ዝብል ተጠቂምካ ወይ ድማ ንሓገዝ ምስ ደገፍ ዓማዊል ርኸብ ብምፍጣር ሓገዝ ምጠቃም ።
ኣፕ ኣዶፔይ ከፊትካ ናብ ኣገልግሎት ልቓሕ ብምኻድ ዝደለኻዮ ዓይነት ልቓሕ ብምምራፅ እሞ ነቲ ናይ መመልከቲ ቅጥዒ ብምምላእ ይካኣል እዩ
ኣዶፔይ ዝተፈላለዩ ፋይናንሳዊ ድሌታት ንምምላእ ዝተፈላለዩ ዓይነት ልቓሓት ይህብ እዩ፤
ምምላስ ልቓሕ ብመንገዲ ኣብቲ ኣፕ ንሎ ክፍሊት ኣገልግሎት ልቓሕ ኣቢልካ ምክፋል ይከኣል እዩ። ንዝመፅእ መክፈሊ ማዓልቲካዉን ቅድሚ መክፈሊማዓልቲ ምብፅሑ መዘኻኸሪታት መልእክቲ ንክምፅእ ምግባር ይካኣል እዩ።
ወለድን ናይ ምምላስ ግዜን ከከም ዓይነት ልቓሕ ይፈላለ እዩ። ቅድሚ ናይ ልቓሕ ሕቶኹም ምፅዳቅኩም ዝርዝር ሓበሬታ ምርዳእ ይግባእ።
እወ ቅድሚ መክፈሊማዓልቶም ብምክፋሎም ብዘይመቅፃዕቲ ምምላስ ይፍቀድ እዩ።
እወ፡ ነፍሲ ወከፍ ዓይነት ልቓሕ ፍሉይ ናይ ባዕሉ መዕቀንታት ረቛሒታት ክህልዎ ይኽእል እዩ። በይዘኦም ኣብ ውሽጢ እቲ ኣፕ ዘሎ ዝርዝር ናይ ልቓሕ ዓይነትን ረቛሒታት ንተ ይረድኡ ወይ ድማ ንዝያዳ ሓበሬታ ምስ ደገፍ ዓማዊልና ሓበሬታ ይረከቡ ።
ኣዶፔይ ከምዚ ዝስዕብ ናይገንዘብ ዝውውር ይፈቅድ፤
ዝተወሰኑ ናይ ገንዘብ ዝውውር ግልጋሎት ክፍሊት ክህልዎም ይኽእሉ እዮም። ዝኾነ ግልጋሎት ክፍሊት ቅድሚ ምትሕልላፍ ሒሳብ እቲ ዝኽፈል ናይ ግልጋሎት ክፍሊት ብምርኣይ ክረጋገፅ ኣለዎ።
ሒሳብ ምትሕልላፍ ብተለምዶ ቅፅበታዊ እዩ። ይኹን እምበር ብሰንኪ ጉዳይ ኔትወርክ ሓሓሊፉ ምድንጓያት ከጋጥም ይኽእል እዩ።
ሒሳብ ምትሕልላፍ ሓንሳብ ምስተሰርሐ ክስረዝ ስለዘይክእል ቅድሚ ምፅዳኩም ኩሉ ዝርዝር ሓበሬታ ኣረጋግፁ።
ነቲ ኣፕ ከፊትና ናብ ኣየር ግዜ ዕድጊት ብምኻድ መጠን ገንዘብ ብምምራፅ እሞ ቁጽሪ ተሌፎን አእቲና ንመልእ።
እወ፡ ኣብቲ ናይ ኣየር ግዜ ዕድጊ ቅጥዒ ቁፅሪ ተሌፎን ናይቲ ተቐባሊ ከተእትዉ ትኽእሉ ኢኹም።
ናይ ኣዶፔይ ቦርሳኻ፡ ምስ ናይ ባንኪ ሒሳብካ ብምትእስሳር ወይ ድማ ካብ ካልእ ሒሳብ ተጠቂምካ ክፍሊት ክትፍፅም ትኽእል ኢኻ።
እቲ ትራንዛክሽን እንተዘይተዓዊቱ እቲ መጠን ገንዘብ ብኣውቶማቲክ ናብ ሕሳብካ ይምለስ።
ኣዶፔይ ንኣገልግሎታት ከም ኤሌክትሪክ፡ ማይ፡ ክፍሊት መንግስቲ፡ ኣገልግሎት ፓስፖርት፣ከምኡ'ውን ትኬት መንገዲ ኣየር ክፍሊት የፍቅድ።
ኣብቲ ኣፕ ናብ ደቀቅቲ ወፃኢታት (Utility Payments) ብምኻድ፡ዝዋሃቡ ኣገልግሎት ብምምራፅ፡ ዘድሊ ኣእቱ ዝርዝር ሓበሬታታት፡ ከምኡ'ውን ክፍሊትካ ኣረጋግፅ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ብኣዶፔይ ዝተፈላለዩ ደቀቅቲ ክፍሊታት ኣከፋፍላግዜ ክነውፅእ ኣይንኽእልን። ይኹን እምበር፡ ብቲ ኣዶ ፔይ መተግበሪ ናይ መኽፈሊ እዋን ክበፅሕ ከሎ ናይ መዘኻኸሪ መልእኽቲ ንክህበና ምግባር ይካኣል እዩ።
ኣብ ዝተፈላለዩ ደቀቅቲ ክፍሊት እነተኸፍል ከለኻ ዝኾነ ፀገም እንተሃልዩ ነቲ ኣዶ ፔይ ደገፍ ወሃቢ ዓሚል ምርካብ ይኽእሉ እዮም።
እወ፡ ኣዶፔይ ንትራንስክሽንካን ውልቃዊ ዳታኻን ንምሕላው ምዕቡል ዝኾነ ናይ ምስጢር ምርጋገፂ ሰርዓታትን ይጥቀም።
ብፍጥነት በቲ ኣዶ ፔይ መተግበሪ እቲ ዘሎ ኣካውንት ምዕፃው ወይ ድማ ነቲ ፀገም ደገፍ ወሃቢ ዓሚል ምሕባር ይኽእሉ እዮም።
ንዓማዊል ኣዶ ፔይ ደገፍ ዋሃብቲ በዚ ዝስዕብ ንረኽቦም፤