ብተደጋጋሚ ዝሕተቱ ሕቶታት
ሓፈሻዊ ሕቶታት

ኣዶፔይ ብትካል ደደቢት ማይክሮፋይናንስ ዝቐርብ ናይ ሞባይል ባንኪ ግልጋሎት መተግበሪ እዩ:: ቀንዲ ትኹረት ኣብ ኣገልግሎት ልቓሕ ኮይኑ ዓማዊል ብውልቂ ይኹን ብጉጅለ ብቐጥታ ካብ ሞባይሎም ልቓሕ ክሓቱን ከማሓድሩን የኽእሎም። ኣዶፔይ ብዘይካ'ቲ ዝህቦ ኣገልግሎት ልቓሕ ብተወሳኺ ካልኦት ዝተፈላለዩ ናይ ባንክ ባህርያት ይሰርሕ እዚ ውን ዘለካ ሒሳብ መጠን ምርግጋፅ፣ምትሕልላፍ ገንዘብን ሒሳባት ምኽፋል ዝኣመሰሉ ይሰርሕ። እዚ መተግበሪ ኣዶፔይ ንናይዓሚል ፋይናንሳዊ ኣገልግ ሎት ንኽረኽቡምቹእን ውሑስን ከምኡ ውን ብቀሊሉ ናይቲ ባንኪ ድሌታት ኣብ ዝኾነ ቦታ ኣብ ዝኾነ ሰዓት ንምቕራብ ድልዊ እዩ፡

ኣገልግሎት ልቓሕ

ኣፕ ኣዶፔይ ከፊትካ ናብ ኣገልግሎት ልቓሕ ብምኻድ ዝደለኻዮ ዓይነት ልቓሕ ብምምራፅ እሞ ነቲ ናይ መመልከቲ ቅጥዒ ብምምላእ ይካኣል እዩ

ዝውውር

ኣዶፔይ ከምዚ ዝስዕብ ናይገንዘብ ዝውውር ይፈቅድ፤

  • ኣብ መንጎ ናይ ገዛእ ርእስኻ ኣካውንት ዝግበር ዝውውር።
  • ናብ ናይካልኦት ኣዶፔይ ተጠቀምቲ ዝግበር ዝውውር።
  • ናይ ሞባይል ቦርሳ ምትሕልላፍ።

ናይ ኣየር ግዜ ዕድጊት

ነቲ ኣፕ ከፊትና ናብ ኣየር ግዜ ዕድጊት ብምኻድ መጠን ገንዘብ ብምምራፅ እሞ ቁጽሪ ተሌፎን አእቲና ንመልእ።

ናይ ዩቲሊቲ ክፍሊት

ኣዶፔይ ንኣገልግሎታት ከም ኤሌክትሪክ፡ ማይ፡ ክፍሊት መንግስቲ፡ ኣገልግሎት ፓስፖርት፣ከምኡ'ውን ትኬት መንገዲ ኣየር ክፍሊት የፍቅድ።

ድሕነትን ምፍታሕ ፀገማትን

እወ፡ ኣዶፔይ ንትራንስክሽንካን ውልቃዊ ዳታኻን ንምሕላው ምዕቡል ዝኾነ ናይ ምስጢር ምርጋገፂ ሰርዓታትን ይጥቀም።